“ወፍሪ ገብረኣምላኽ ገብረስላሴ ንምዝዛም ፕሮጀክት ፅርጊያ ኸተማ ብዘት - ገድባ/ላዕላይሩባ - ማእኸል ጣብያ ሓጓረጋ”

“ወፍሪ ገብረኣምላኽ ገብረስላሴ ንምዝዛም ፕሮጀክት ፅርጊያ ኸተማ ብዘት - ገድባ/ላዕላይሩባ - ማእኸል ጣብያ ሓጓረጋ”

Author: Unknown | Category: Announcement | Published: Jan 04, 2026

 ፃውዒት ምትእኽኻብ እቶት


 “ወፍሪ ገብረኣምላኽ ገብረስላሴ ንምዝዛም ፕሮጀክት ፅርጊያ ኸተማ ብዘት - ገድባ/ላዕላይሩባ - ማእኸል ጣብያ ሓጓረጋ” 


 ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ (CBE) 1000195454608 


ኽቡራትን ክቡራንን ኣብ መላእ ዓለም እትርከቡ ተወለድትን ፈተውቲ ልምዓትን ወረዳ ብዘትን ከባቢኣን፦ 

ፈለማ ዝኸበረ ሰላምታና ይብፃሕኹም ክንብል ንፎቱ። 

ከም ዝፍለጥ ምምሕዳርን ህዝብን ወረዳ ብዘት ብዘቕረበልና ወግዓዊ ፃውዒት መሰረት ፕሮጀክት ፅርጊያ ኸተማ ብዘት - ገድባ/ላዕላይሩባ - ማእኸል ጣብያ ሓጓረጋ ማሕበርና ማሕበር ልምዓት ብዘትን ከባቢኣን ከም ቁልፊ መደብ ሒዝና ንዘሓለፈ ሓደ ዓመት ብንቕሓትን ልባዊ ተወፋይነትን እናተንቀቐሰና ፀኒሕና ኢና። 

ብዙይ መሰረት እውን፦ 

  1. እስካብ ሕዚ 1.8 ሚልዮን ቅርሺ ብተወለድቲን ፈተውቲ ልምዓትን፣ 200 ሽሕ ቅርሺ ድማ ብነበርቲ ጣብያ ሓጓኣረጋ ብጠቕላላ ኸባቢ 2 ሚልዮን ቅርሺ ናብቲ ነዚ ፕርጀክት ፅርጊያ ተባሂሉ ብፍሉይ ዝተኸፈተ መንግስታዊ ሒሳብ ቁፅሪ ኣታዊ ጌርናዮ ኢና። 
  2. ዲዛይን ናይቲ ፕሮጀክት ፅርጊያ ተዛዚሙ ንዝምለከቶም ኣካላት ቀሪቡ ፀዲቑ ኣሎ። ምምሕዳር ወረዳ ብዘትን በዓል መዚ መንገድታት ትግራይን ብሓላፍነት ተረኪቦምዎ ኣለዉ። 
  3. ሰራዊት ትግራይ ድማ እተን ዘድሊያ መሽነሪን ሰብ ሞያን ኣብ ውሽጢ ኽልተ ሰሙናት ኣእትዩ ናብ ተግባር ኽኣቱ ማለት እውን እቲ ፀረጋ ኸም ዝጅምር ነቲ ምምሕዳር ብዕሊ ኣፍሊጡ ኣሎ። 
  4. ምምሕዳር ወረዳ ብዘት ብግዲኡ ነቲ ፅርጊያ ቅድሚያ ሂቡ ኽመርሕ ዘረጋገፀን ኮሚቴታት ዘጣየሸን ኮይኑ፣ ኣብ ልዕሊ እዙይ ድማ ምስ ቀይሕ መስቀል ብምዃን ክልተ ሽፌራት ቆፂሩ  ሓንቲ ኣምቡላንስ ብቐዋምነት ናብቲ ጣብያ መዱቡ ኣሎ። እዙይ ኣዶታት ሰኣን ትራንስፖርት ሂወተን ኸይስእና ዝሕግዘ ኽምስገን ዝግበኦ ተበግሶ እዩ። 

 እንበርከስ እዚ ቅልጡፍን ዘተባብዕን ምዕባለታት መሰረት ብምግባር ንሕና ኣብ መላእ ዓለም አንርከብ ተወልድትን ፈተውቲ ልምዓትን ወረዳ ብዘትን ከባቢኣን ከም ወትሩ ኣብ ጎድኒ ህዝብና እንስለፈሉ ሰዓት ሕዚ ስለዝኾነ እተን ዝተረፈና ናይ 2 ሚልዮን ቅርሺ ወፈያ ብዝተኽኣለ መጠን ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ኣታዊ ብምግባር ታሪኻዊ ሓላፍነትና ንኽንዋፃእ፣ ንሕና መተሓባበርቲ ብኣኽብሮትን ብትሕትናን ብሽም ህዝብና ልባዊ ፃውዒትና ነቕርብ ኣለና። እዚ ወፍሪ እዙይ ድማብሽምእቲ ኣብ ቀረባግዘ ብሂወተስጋ ዝተፈለየና ሃርበኛ ልምዓት ፈታዊ ህዝቡን ዓዱን ዝኾነ ነፍስሄር ሓውና “ወፍሪ ገብረኣምላኽ ገብረስላሴ - ንምዝዛም ፕሮጀክት ፅርጊያ ኸተማ ብዘት - ገድባ/ላዕላይሩባ - ሓጓረጋ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ሰይምናዮ ኣለና። 

ስለዝኾነ ኣንቱም ሂብኩም ዘይትርብርቡ፣ ኩሉ ጊዜ ቅድሚያ ንህዝብኹምን ዓድኹምን እትስለፉ ኣብ መላእ ዓለም እትርከቡ ተወለድትን ፈተውቲ ልምዓትን ከባቢና ሕዚውን ዝጀመርናዮ ዕማም ብዓወት ንምዝዛም ኣብ ጎድኒ ህዝብኹም ኸምእትስለፉ ፈፂምና ኣይንጠራጠርን። 

 ልምዓት ዓዲ ብደቂ ዓዲ! 

ማሕበር ልምዓት ብዘትን ከባቢኣን 
25 ታሕሳስ 2018 ዓ/ም
 መቐለ 

Back to Blogs