ሰነድ ስምምዕነት ዲዛይን ፕሮጀክት ፀፀር ፅርግያ 8 ኪሎ ሜትር ከተማ ብዘት-ማእኸል ጣብያ ሓጓ ኣረጋ ተፈፂሙ።
Author: Unknown | Category: News | Published: Jul 28, 2025
ሰነድ ስምምዕነት ዲዛይን ፕሮጀክት ፀፀር ፅርግያ 8 ኪሎ ሜትር ከተማ ብዘት-ማእኸል ጣብያ ሓጓ ኣረጋ ተፈፂሙ።
መቐለ ፥ 11 መጋቢት 2017 ዓ/ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)
ሰነድ ስምምዕነት ዲዛይን ፕሮጀክት ፀፀር ፅርግያ 8 ኪሎ ሜትር ከተማ ብዘት-ማእኸል ጣብያ ሓጓ ኣረጋ ተፈፂሙ።
ማሕበር ተወለድትን ፈተውትን ብዘትን ከባቢኣን ምስ ምምሕደር ከተማ ብዘት ብምትሕብባር ካብ ከተማ ብዘት ናብ ጣብያ ሓጓ ኣረጋ ዝወስድ ፀፀር መንገዲ ንምስራሕ ምምሕዳር እታ ወረዳ ምስ በዓል መዚ መንገድታት ትግራይን ኢንተርፕራይዝ ቁፅፅር መፅናዕትን ዲዛይንን ስራሕቲ ማይ ትግራይ ሰነድ ስምምዕ ፈፂሞም።
ኣቦ መንበር እታ ማሕበር ኣይተ ገብረፃድቃን ነጋሽ ኣብ ወሽጥን ወፃኢ ዓድን ዝነብር ተወላድን ፈታውን ብዘትን ከባቢኣን ኣብ ምፍታሕ ማሕበረ ቁጠባዊ ፀገማት ዓዱ እጃሙ ክፍፅም ፀዊዖም።
ኣማሓዳሪ እታ ወረዳ ኣይተ ዮሴፍ ምስግና ብግዲኦም ማሕበር ልምዓት ብዘትን ከባቢኣን መንግስቲ ክበፅሐሎም ኣብ ዘይኽእል ዛዕባታት ትኹረት ብምግባር ትገብሮ ዘላ ምንቅስቓስ ዝነኣድ እዩ። መሰረተ ልምዓት ምስ ድሕንነት ማሕበረሰብ ዝተኣሳሰር ከምዝኾነን እዚ ሰናይ ተግባር ኩሉ ማሕበረሰብ ክስዕቦ ከምዝግባእን ሓቢሮም።
ከም ምምሕዳር ድማ ምስ መድረግቲ ኣካላት ብምትሕብባር እጃሙ ከምዝፍፅም ኣፍሊጦም።
ኣብ ስነ ስርዓት ፌርማ ዝተረኸቡ ተወለድቲ ብዘትን ከባቢኡን ብወገኖም ፀገም ማሕበረሰቦም ንምፍታሕ ካብኦም ዝድለ ኩሉ ከምዝገብሩ ገሊፆም። ሰላምን ልምዓትን ትግራይ ንቅድሚት ዘሰጉሙ ስራሕቲ ብስምረትን ብሕብረትን ክንርሕ ኢና ድማ ኢሎም።
ዳሪክተር ኢንተርፕራይዝ መፅናዕቲ፣ ዲዛይንን ቁፅፅርን ስራሕቲ ማይ ትግራይ ዶክተር ኢንጅነር መሓሪ ገብረዮውሃንስ ብግዲኦም ግቡእ መፅናዕትን ክትትልን ብምክያድ ውፅኢታውን በቲ ዝተሓንፀፀሉ ብርኪ ፀፀር መንገዲ ንምስራሕ ከም ትካል በርቲዑ ከምዝሰርሕ ገሊፆም።
ማሕበር ልምዓት ብዘትን ከባቢኣን ካብቲ ከተማ ናብ ገጠር ጣብያ ኣብ ዝስራሕ ፀፀር መንገዲ ምትእኽኻብ እቶት እናካየደት ከምትርከብን ኣብ ቀፃሊ እውን ከምእተካይድ ድማ ኣቦ ወንበር እታ ማሕበር ኣይተ ገብረፃድቃን ነጋሽ ሓቢሮም።
ፍልፍል ሓበሬታ፡ ቴሌቪዥን ትግራይ